Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 79 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሓምለ ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 79 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃት ብምዝታይ ውሳነታት ሂቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብመጀመርታ ደረጃ ዝተዛተየ ኣብ መመሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀትን ኣሸፋፍና ወፃኢን መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2012 ኢዩ።

ተወሳኺ በጀት ንምሕታት ቀንዲ መበገሲ ዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝሰተናድአ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ እንትኸውን፥ ዋና ዕላማ ናይቲ መመሓየሺ ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘጋጠሞ ማሕለኻ ዝናገፈሉ ስጉምቲታት ፖሊሲ ተግባራዊ ንምግባር ብር 18 ቢሊየን፣ ንልምዓታዊ ሴፍቲኔት ብር 2 ቢሊየን፣ ከምኡ እውን ንማዕረ ስራሕ መዕረ ክፍት ብር 7 ነጥቢ ቢሊየን፤ ብድምሩ ብር 27 ነጥቢ 89 ቢሊየን ተወሳኺ በጀት ንኽፀድቕ ሚኒስቴር ገንዘብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣዳልዩ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነ ንኽወሃበሉ ኣቕሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ፥ በቲ ዝቐረበ ረቃቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ከምዝለኣኾ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብምቕፃል ድማ ንስራሕቲ መማሓየሺ ሮጀክት መገዲ ደብረ ማርቆስ -ሞጣ፣ ንመጣየሺ ፕሮጀክት ማእኸል ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማን ንመፈፀሚ ፕግራም ካልኣይ ሃገር ለኸ ቀረብ መስተ ማይ፣ ሳኒቴሽንን ሃይጅንን ዝውዕሉ ስምምዓትን መፅደቒን ልቓሕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛተዩ።

እቶም ስምምዓት ልቓሕ ምስ ኣመሓዳድራ ስትራቴጂ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓሙ፣ እፎይታ 10 ዓመት ዘለዎም፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈሉ ከምኡ እውን ወለድ ዘይሕሰበሎም ስለዝኾኑ፥ እቶም ኣዋጃት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሓላሊፎም ንኽፀድቁ ወሲኑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተዛተየሉ ካሊእ ጉዳይ ድማ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰንደቕ ዕላማን መዝሙርን ሕብረት ኣፍካን መዓልቲ ኣፍሪካን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ንምሕያል፣ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ኣብ ተግባራዊነት ኣጀንዳ ውህደት ኣፍሪካን ዘለዋ ቆራፅነት ንኽትቅፅለሉ፥ ሰንደቕ ዕላማ ምምብልባልን ምዝማር መዝሙር ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡ እውን መዓልቲ ኣፍሪካ ንክኽበር ምግባርን ኢትዮጵያ ንዕላማታትን ዕዉትነትን እቲ ሕብረት ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ንኽፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪሑ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ መወዳእታ ኮሌጃት ትምህርቲን ስልጠናን ሞያ ሕርሻ ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ተዛትዩ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ብዕምቆት ብምዝታይን ምምዕርራያት ብምግባርን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.