ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትረቂቕ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም መንግስቲ ፌዴራል 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ንኽኸውን ወሲኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትረቂቕ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም መንግስቲ ፌዴራል 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ንኽኸውን ውሳነ ኣሕሊፉ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 9ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ በጀት 2015 መንግስቲ ፌዴራል ተዛቲዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ምድላው በጀት 2015 መንግስቲ ፌዴራል ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣብ ምፍፃም፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ኣገልግሎታትን መሊስካ ኣብ ምጥያሽ፣ ቀፃሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ትራንስፎርሜሽን ኣንፈታትን ዕላማታትን ኣብ ምዕዋት ማዕኸል ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም፤ ንስሩዕ ወፃኢ 347ነጥቢ 12 ቢሊዮን ብር፣ ንካፒታል ብር 218.11 ቢሊዮን ከምኡ እውን ንሓገዝ ክልል መንግስታት ብር 209ነጥቢ 38 ቢሊዮንን ንመፈፀሚ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ብር 12 ቢሊዮን ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ብሓፈሳ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2015 ዓ.ም ብር 786ነጥቢ 61 ቢሊዮን ኮይኒ ቀሪቡ፡፡
ምስ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም እንትነፃፀር ብር 111ነጥቢ 94 ቢሊዮን ወይ እውን 16 ነጥቢ 59 ሚኢታዊ ዕቤት ኣርኢዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2015 ዓ.ም ብዕምቆት ምስተዛተየ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽፀድቕ ናብቲ ባይቶ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።