Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ዘሳለጦ መበል 19 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ዕድጊትን ምምሕዳር ንብረትን መንግስቲ ፌዴራል ብምዝታይ ሰርዓትን ዕድጊትን ምምሕዳርን ንብረት ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንክኸውን ከምኡውን ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ዘለዎም ተሳትፎ ብምዕባይ ፍሪያቶም ንክዓቢ ምሕጋዝ ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር ስሩዕ ስርዓት ኣፈፃፅማ ንክህሉ ዓሊሙ ዝተሰናድአ ረቂቕ ደንቢ መድሕን ጥዕና ተዛቲዩ። ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሃፍቲ ልምዓት ዕደና ኣድሂቡ ዝተሰናድአ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተዛተየ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

መኣድናት ዘይሕደሱ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ብምዃኖም መፃኢ ትውልዲ ተሓሳቢ ብዝገበረ መገዲ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዘኽእል፣ ብመትከላት ሓለዋ ከባቢ ዝተደረኸን ምስ ስነ ምህዳር ዝተጠዓዓመ፣ ብብርኪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪን ውፅኢታዊን ዝኾነ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ሃፍቲ መዓድን ስርዓት ዝዝርግሕ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍሪያታት መኣድን ብፍሪያታት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ፣ ናብ ወፃኢ ሰደድ ብምግባር ዝርከቡ ሸርፊታት ወፃኢን ኣታዊ ንምዕባይ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝሕግዝ፣ ብሓፈሻ ንኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎ ግደ ምዕባይ ብምድላዩ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተሰናድአ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.