Fana: At a Speed of Life!

ቤት ህንፀት ዞባ መቐለ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ስርሑ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ህንፀት ዞባ መቐለ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ስርሑ ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ቤት ህንፀት ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ተሃነፅቲ ነክስደዱ ብምግባሩ ልዑል ዕንወት ምግጣሙ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ መሽናት መለማመድቲ ስራሕቲ ዕንፀይቲ፣ ኮምፒውተራት፣ ናውቲታት ቢሮ፣ ማሽናት ሓፂነ መፂን፣ እታዎታት ስራሕቲ ህንፃ፣ መደቀሲ ተሃነፅቲ፣ ሰነዳት፣ አንዳ ሓለዋን ካልኦት ናውቲታትን ከምዝዓነዉን ከምዝተወረሩን ሓላፊ እቲ ቤት ህንፀት ኮማንደር ዮሀንስ ወንድሙ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝበፅሐ ጉድኣት ልዕሊ 100 ሚሊየን ዝግመት እንትኸውን፥ እቲ ጉድኣት ብቀጥታ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ብ17 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተፅሓፈ ደብዳበ ዝተሰደዱ ተሃነፅቲን ዝተወሰኑ ነበርቲ እቲ ከባቢን ከምዝኾኑ ተረጋጊፁ።

እቲ ቤት ህንፀት ናብ ስራሕ ብዘይምእታዉ ብገበን ዝተጠርጠሩ ኣካላት ኣበ ትሕቲ ቁፅፅር ድሕሪ ምውዓሎም ብዋሕስ ይስደዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ተጠርጠርቲ ብተደጋሚ ገበን እንትሳተፉ ይርከቡ ከምዘለዉ በምግላፅ፥ እዚ ድማ ሰላም እታ ከተማ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ዕሪ ዐንቅፋት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነቲ ፀገም ብምርዳእ ነቲ ቤት ህንፀት ፅገና ይገብረሉ ዘሎ እንትኸውነ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ስርሑ ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.