Fana: At a Speed of Life!

ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምናን ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይራ።

ኣብ መምርሒ ስብከተ ወንጌልን ሃዋሪያዊ ልኡኽቶን እታ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ እቲ ሓገዝ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን÷ ቤተ-ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ በቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዝሓዘነት ብምግላፅ ንዝተጎድኡ ወገናት ፅንዓት ተመኒዮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ምእመናን ብምትሕብባር ሓገዝ ከምዝግበር ምግላፆም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣመልኪቱ፡፡

ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼይኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ በቲ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ ተጎዳእቲ ፅንዓት ተመኒዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.