Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ውክልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ መበል 17 ስሩዕ ኣኼብኡ  ኣዋጅ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣፅዲቑ።

እቲ ኣዋጅ፥ትምህርቲ ብማዕርነትን ፍትሓዊነትን ኣብ መልላእ ሃገር ተበፃሒ ንምግባር ርኡይ ግደ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ፅርየትን ረብሓን መምህራን ዘሐሉ፣ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ብቕዓት ምምሕዳር ትምህርቲ ንምርግጋፅን ብፅሒቱ ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተዋሳኺ ሙያ መምህርነት ንክኽበርን ኣብ ከይዲ እውን መረጋገፂ ብቕዓት ፍቓድ ንምሃብ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ምግላፁ ኣብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ኣዋጅ፥ ኣዋጅ ቁፅሪ 1368/2017 ብምዃን ብክልተ ተቓውሞ፣ ብ10ድምፀ ተኣቅቦን ኣብዝሓ ድምፂን ፀዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.