Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 6ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 6ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ ከምዘካይድ ተገሊፁ።

እቲ ኣኼባ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝካየድ እቲ ባይቶ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፁ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ሽመት ሓደ ኣባል ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መርሚሩ ከፅቕ ኢዩ ተባሂሉ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ኤክሳይዝ ታክስ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምለልከት ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.