Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2 ንኢሚግሬሽን ዝተመልከቱ ሓዊሱ ሰለስተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2 ንኢሚግሬሽን ዝተመልከቱ ሓዊሱ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኩዌትን ኣብ ዓውዲ ምውፋር ስራሕጠሚቱ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ኣፅዲቑ።

ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኩዌትን ኣብ ምውፋር ስራሕ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ መብርሂኦም ድማ ዕላማ እቲ ሰነድ ስምዕነት ኣብ ሞን እተን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምውፋር ስራሕ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ሕጋዊ ማዕቐፍ ንምስንዳእን ከምኡ እውን ኣብ ኩዌት ዝርከቡ ዜጋተት መሰልን ረብሓን ንምሕላው ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ካልኣይ ንባብ ተሸጋጊሩ ኣዋጅ ቁፅሪ 1337/2016 ኮይኑ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝፀደቐ ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት፡፡

ብተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን እንደገና መጣየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕጊን ፍትሒን እፀገነት መንግስቱ ማብርሂ ሂቦም፡፡

እቲ ረቂቒ ኣዋጅ እውን ረቂቕ ኣዋጅ ቁፅሪ 1338/2016 ኮይኑ ብ4 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ፡፡

ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ንምምሕያሽ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ወ/ሮ እፀገነት ሪፖርትን ናይ ውሳነ ሓሳብን እውን ኣቕሪበን፡፡

በዚ ድማ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ጥኩር ሓሬታታት ቅድመ ጉዕዞ ምስንዳእን ምስ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ዝተዋፀአሉ ልውውጥ ሓበሬታ ብምቅልጣፍ ገበናትን ዘይሕጋውያንን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን ጉድኣት እንተየብፅሑ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ንምግባር ዝሕግዝ ስርዓት ንምዝርጋሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድማ ረቂቕ ኣዋጅ ቁፅሪ 1339/2016 ኮይኑ ብ2 ተቓውሞ ብ4 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.