Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቦም ዝቐርቡ ኣማራፂታት መፍትሒ ብዝምልከት ፅባሕ ክዛተ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 3ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ ፅባሕ 27 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ከምዘካይድ ቤት ፅሕፈት እቲ ባይቶ ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼቡኡ፥ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቡ ዘቕረቦም ኣማራፂታት መፍትሒ ውሳነ ሓሳብን ሽዱሽተ ስምምዓት ልቓሕን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቡ ዘቕረቦም ኣማራፂታት መፍትሒ መርሚሩ ውሳነ ሓሳብ ንኸቕርብ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ምምርሑ ይዝከር።

ብምዃኑ ድማ መረፃ ብዝምልከት ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ኣርባዕተ ኣማራፂታት መፍትሒ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ መርሚሩ ዘቕርቦ ውሳነ ሓሳብ ፅባሕ ክፀድቕ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.