Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሕልፈት ህይወት በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሕልፈት ህይወት በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓዘን÷ በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) ኢትዮጵያ ካብ ዘፍረየቶም ዕንቊ ሙሁራን ብቕድሚት ዝፅርሑ ተመራማሪ፣ መምህር፣ ብሱል ፖለቲከኛን ብቁዕ ኣመራርሓን ነይሮም ኢሉ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሃገሮም ብትግሃትን ብስምዒት ፍቕሪ ሃገርን ዘገልገሉ እንትኾኑ÷ “ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ደርጊ ኣብ ዝተጣየሸ ስግግር መንግስቲ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ንኽዕወት ዕዙዝ ኣስተወፅኦ ኣበርኪቶም ኢዮም” ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.