Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ 5ይ ዘበን ስራሕ ፍሉይ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ 5ይ ዘበን ስራሕ ፍሉይ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

ኣብ ኢትየዮጵያ ለውጢ ምስተኻየደ ንህዝቢ ዝረብሑ ብዙሓት ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ዋላ ይሰርሑ እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ግን ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ዝህውኹ ፀገማት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር እናተርኣዩ ምዃኖም እቶም ኣባላት እቲ ባይቶ ሕቶ ኣልዒሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ዝበፅሕ ቃፀሎ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋዕን ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ዘይምህላ፣ ብዛዕባ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ ዝምልከቱን ካልኦትን ሕቶታት ኣልዒሎም ግቡእ መልሲኒ መብርሂን ንኽወሃበሎም ሓቲቶም።

ብዛዕባ እተን ዝተጨውያ ተምሃሮ መዓዝ ኢዩ ዕልባት ክረክብ፣ መን ኢዩ ጨውዩወን፣ መዓዝ ኢየን ምስ ስድረአን ክራኸባ ዝብሉ ሕቶታት እውን ቀሪቦም ኢዮም።

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ስለምንታይ ተረጋጊዖም ክመሃሩ ኣይከኣሉን፤ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዶም ብምስራሕ እቲ ፀገም ምፍታሕ ዘይተኸኣለሉ ምኽንያት ዝብሉ ሓሳባት ካብቶም ኣባላት ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ይርከቡዎም።

ልቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ዝሃቡዎ መልሲን መብርሂን ድማ፦

ለውጢ ምስ ተገበረ ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕተዋይ ስልጣን መንግስቲ ተቖፃፂሩ ዝነበረ ኣካል ኣግባብ ዘይኮነ ኔትዎርክ ነይሩ፤ እዚ ድማ ኣብ መጀመርታ እዋናት ሙሉእ ብሙሉእ ምፍላይ ከምዘይተኸኣለ ገሊፆም።

እቲ ኣግባብ ዘይኮነ ኔትዎርክ ብነዊሕን ሓፂርን ትልሚ ደው ናይ ምባል ስራሕቲ ተፈልዮም ናብ ስራሕ ክእተዉ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብ ትካላት ፀፅታ ብዙሓት ምምሕያሻት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ጉድኣት ብዘይምፍጣር ኣብ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ትልሚ ብምሕንፃፅ እተን ትካላት ብዘላቒነት ንምህናፅ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ሃገር ከም ሃገር ንኽትቅፅል ከምዝተኽኣለን ኣብሪሆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽርሒ ንስርዓት ኣልቦነት ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ክተርፍ ብምግባር ኢትዮጵያ ከምሃገር ከምትቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ይኹን እምበር ንዲሞክራሲ በራ ኣብ ዝኸፈተት ሃገር ክልተ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ክህልዉ ከምዘይኽእሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ክሊ ዝተጨውያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ፥ ነቲ ተግባር ምጭዋይ  ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከምዘየለን ጉድኣት ምብፅሑ ዘርኢ ሓበሬታ ከምዘይተረኸበን ገሊፆም።

በቲ ተግባር ሃገር፣ ህዝቢን መንግስቲን ተጎዳእቲ ኢዮም፤ እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ ብምዃኑን ብጥንቃቐ ክምዝተትሓን እውን ኣብሪሆም።

እቲ ጉዳይ ንምፅራይ፥ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ብሚኒስቴር ሰላምን ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ምክትታል እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ይኹን እመበር ዝተዓጠቐ ሓይሊ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ መጥቃዕቲ ከምዘይፈፀመ፣ እተን ተምሃሮ ብማንነተን ከምዘይተጨውያን እቲ ተግባር ንፖለቲካ ትርፊ ምውዓል ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ከይዲ ዝተረኸበ ዉፅኢት ንህዝቢ እዕላዊ ከምዝግበር እዉን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.