Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 15 ስሩዕ ኣኼባ ሽመት ኣፈፀምቲ ኣካላት ከፅድቕ ኢዩ፡፡

እቲ ባይቶ÷ ቃለ ጉባ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ፍሉይን ኣኼባን መበል 14 ስሩዕ ኣኼቡኡ መርሚሩ ብምፅዳቕ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ዕለት ከምዝጅምር ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼባ እቲ ባይቶ ካብ 1ይ ፍሉይ ኣኼባ ዝተሰጋገሩ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት መርሚሩ ከምዘፅቕ እውን ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተሰጋገሩ ዛዕባታት÷ ረቂቕ ኣዋጅ ዕጊትን ምምሕዳርን ንብረት መንግስቲ ፌዴራል ብዝምልከት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ዘቕርቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ እቲ ኣዋጅ ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.