ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ሽመት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከፅድቕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሽመት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
እቲ ባይቶ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 17ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ ኢዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ቀዋሚ ኮሚቴ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ምውፋር ስራሕን ጉዳያት ቴክኖሎጂን ዘቕርቦ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ነቲ ኣዋጅ ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር።
ካብዚ ብተወሳኺ ሽመት ሕፁይ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዝግበር ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡