Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ስሩዕ ኣኼብኡ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ መበል ሳልሳይ ዓመት መበል 16 ስሩዕ ኣኼብኡ ከምዘሳልጥ ተገሊፁ።

ኣብቲ ካብ ንጎሆ ሰዓት 3 ጀሚሩ ዝሳለጥ ጉባኤ፥ ሹመት ሕፁያት ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣ ረቂቕ ኣዋጅ ዕድጊትን ምምሕዳርን ንብረት መንግስቲ  ፌዴራል ብዝምልከት ዝቐረበ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ረቂቕ ደንቢ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡረቂቕ ደንቢ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ረቂቕ ኣዋጅ  ሜዳይ፣ ኒሻንን ሽልማትን ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ በዓላትን ኣከባብራ በዓላትን ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብምምርማር ንዝርዝር ንዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት ከምዝመርሕ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.