ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ረቂቕ በጀት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብዝርዝር ንኽረአ መሪሑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 24 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።
እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼቡኡ፥ ረቂቕ በጀት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብዝርዝር ርእዩ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2016 ብዝምልከት መብርሂ ነቲ ባይቶ ሂቦም።
እቲ ባጀት ሸቶታት መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ብሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምፅጋን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዕላማታትን ኣንፈታትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትራንስፎርሜሽን ኣብ ምዕዋት ዝተርኣየ ከምዝኾነን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዝህሉ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካል ማዕቐፍን መሰረት ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2016 ዓ.ም፥ ንፌዴራል መንግስቲ ስሩዕ ወፃኢታት ብር 369 ነጥቢ 6 ቢሊየን፣ ንካፒታል ወፃኢታት ብር 203 ነጥቢ 9 ቢሊየን፣ ንክልላት ዝወሃብ ደገፍ ብር 214 ነጥቢ 07 ቢሊየን፣ ንደገፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 14 ቢሊየን ብድምር ንክኸውን ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ባይቶ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን ብዝርዝር ንኽረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን መሪሑ።