Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ክራይ መንበሪ ገዛ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ክራይ መንበሪ ገዛ ብምምርማር ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባ÷ ነነቲ ኣዋጅ ብሰለስተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኣፅዲቑዎ፡፡

መሰል ምርካብ መንበሪ ገዛ÷ ካብ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ሓደን እቲ ቀንዲን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ባይቶ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ ቤልጂጌ እቲ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብ ከተማታት ምኽንያታዊን ፍትሓዊ ዘይኮኑ ወሰኻት ገዛ ኽራይ ከምዝስተውዓሉ ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ መሰረታዊ ጠለብ ዜጋታት ዝኾነ ቀረብ መንበሪ ገዛ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ፃሪታት እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ወሰኽ ገዛ ኽራይ ብፍላይ ብትሑት እቶት ኣብ ዝመሓደሩ ነበርቲ ከተማ ልዑል ቅርታ እናልዐለን ዜጋታት ተረጋጊኦም ናብረኦም ከይመርሑ እናገበረ ከምዝርከብ ኣልዒሎም፡፡

በዚ ድማ ረቂቅ ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ክራይ መንበሪ ገዛ ቁፅሪ 1320/2016 ኮይኑ ሎሚ ዕለት ፀዲቑ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.