Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንመፈፀሚ ቀዳማይ ዘላቒ ልምዓትን ኩለመዳይ ፖሊሲ ዕቤት ልምዓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ንምፅዳቕ ይዝቲ ኣሎ።

እቲ ባይቶ÷ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼቡኡ እናካየደ ይርከብ።

ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ብልቓሕ ዝተረኸበ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ንምድጋፍን በጀት 2017 መንግስቲ ፌደራል ብቐጥታ ንምድጋፍን ዝውዕል ኢዩ።

እቲ ልቓሕ ካብ ወለድ ናፃን ኣብ ነዊሕ እዋን ተኸፊሉ ዝዛዘምን ከምኡ እውን ምስ ስትራቴጂ ምሕደራ ልቓሕ ዝጠዓዓምን ዘይበዝሐ ከምዝኾነን ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጅጌ (ዶ/ር) ናቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቡዎ ሓፂር መግለፂ ተዛሪቦም።

ናይ 6 ዓመት እዋን ችሮታ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ 38 ዓመታት ክዛዘም ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናብ ምትግባር ዝተማአ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዋ ስዒቡ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝን ልቓሕን ምፅዳቑ ይፍለጥ።

ብዙፋን ካሳሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.