Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባላት ቦርድ መርመርቲ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣባላት ቦርድ መርመርቲ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፥ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምፅዳቑ ስዒቡ ኢዩ ኣባላት  ቦርድ ዝሰየመ።

እቲ ቦርድ 7 ኣባላት ዘተውዎ እንትኸውን፥ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሰብ ሞያ ሕጊን ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ኣይተ ለማ ተሰማ- ኣካቢ ቦርድ
  2. ወይዘሮ ጀምበርነሽ ክንፈ- ምክትል ኣካቢት
  3. ወይዘሮ ሃዋ ዓሊ- ኣባል

4.ኣይተ ኣለባቸው ላቀው- ኣባል

  1. ኣይተ ዘሪሁን ጴጥሮስ- ኣባል
  2. ወይዘሮ ኣስካለ ጥላሁን – ኣባል

7.ኣይተ ወንድሙ ግዛው- ኣባል ብምኻን ተመሪፆም።

ኣባላት ቦርድ መርመርቲ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብ6 ተቓውሞን ብኣብዝሓ ድምፂን ፀዲቑ።

ሰልጣንን ተግባርን እቲ ቦርድ፦

  1. ብምኽኒያት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ናይ ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ሽም ዝርዝር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዕላዊ ምግባርን ምኽኒያት መእሰሪኦም ምግላፅን።
  2. ብምኽኒያት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዘውሰዱ ስጉምቲታት ብዝኾነ ይኹን ምኽኒያት ኢ ሰብኣዊ ንከይኾኑ ምቁፅፃርን ምክትታልን
  3. ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኢ ሰብኣዊ ምዃኑ እንትኣምን ቀዳማይ ሚኒስትር ወይ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት እቲ ስጉምቲ ንከስተኻኽል ሓሳብ ምሃብ
  4. ብምኽኒያት ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኢ ሰብኣዊ ተግባር ዝፍፅሙ ኩሎም ናብ ቤት ፈርዲ ንክቐርቡ ምግባር
  5. ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ንክቕፅል ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቶ እንትቐርብ ዘለዎ ርእይቶ ናብቲ ባህቶ ምቕራብ ዝብሉ ኢዮም።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.