Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተወሳኺ በጀት ብር 28 ቢሊየን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ተወሳኺ በጀት ብር 28 ቢሊየን ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼብኡ፥ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ በጀትን መስተኻሊ ኣሸፋፍና ወፃኢን በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዘፅደቖ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኣታዊ፣ በጀትን ፋይናንስን ዘቕረቡዎ ብር 28 ቢሊየን ተወሳኺ በጀት ዘቕረቡዎ ውሳነ ሓሳብ ምዃኑ ካብ ኢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.