Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ብር 971 ነጥብ 2 ቢሊየን ንክኸውን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ሳልሳይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 36  ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣባላት እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2017ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዓልዎም ሕቶታትን ዝተውሃቡ ርእይቶታትን ብዝምልከት ምላሽ ሂቦም።

በጀት ዓመት 2007 መንግስቲ ፌዴራል ክሳብ ሕዚ ተግባራዊ እናተገበሩ ዝርከቡን ኣብ ቀፃሊ ንምትግባር ዝተሓሰቡን ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ክቕፅል ንምግባርን ዝተዛበዐ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምስትኽኻል ብዝሕግዝ መልክዑ ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ።

ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር ድማ ፖሊሲ ገንዘብ ዘበናዊ ንምግባር ዘኽእሉ መመሓየሺታት ተግባራዊ ከምዝግበሩ ተሓቢሩ።

ምንካይ ስግኣት ናይ ወፃኢ ዕዳ ቁመና ፊስካል ንምምሕያሽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ልምዓት ንምቅልጣፍ ዝሕንፀፁ ፕሮጀክታት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ፋይናንሲንግ ንምርካብ ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምስ ኣለቃሕቲ ኣካላት ዝተጀመሩ ድርድራት ምሽግሻግ ዕዳን ምቅላል ዕዳን ውፅኢታዊ ብምግባር እዚ ምዕዋት ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ።

እቲ በጀት ቀዳምነት ብምሃብ ጠመተ ዝግበረሎም ኣንፈታት ፊስካል ፖሊሲ ኣተውቲን ወፃእቲን፣ እዋናዊ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚን ኣንፈታት ትኹረት መመሓየሺ ኢኮኖሚን ብዘገናዘበ መልክዑ ከምዝተሰናደአ ተሓቢሩ።

በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌዴራል ሓፈሻዊ በጀት ወፃኢ 971 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዝኾ ብምሕባር፥ እዚ ድማ ን2016 በጀት ዓመት ካብ ዝፀደቐ ወፃኢ በጀት ናይ 21 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዛይዳ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እቲ በጀት 451 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ንስሩዕ፣ 283 ነጥቢ 2 ንካፒታል ከምኡ እውን 236 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ዝተሰለዐ በጀት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጉባኤኡ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2017 ዓ.ም 971 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ንክኸውን ውሳነ ቁፅሪ 1340/2016 ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.