ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ብር ንክኸውን ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 16 ሰሙን ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣባላት እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2015ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዓልዎም ሕቶታትን ዝተውሃቡ ርእይቶታትን ብዝምልከት ምላሽ ሂቦም።
ምድላው በጀት 2015 መንግስቲ ፌዴራል ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣብ ምፍፃም፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ኣገልግሎታትን መሊስካ ኣብ ምጥያሽ፣ ቀፃሊ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ትራንስፎርሜሽን ኣንፈታትን ዕላማታትን ኣብ ምዕዋት ማዕኸል ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም፥ ንስሩዕ ወፃኢ 347 ነጥቢ 12 ቢሊዮን ብር፣ ንካፒታል ብር 218.11 ቢሊዮን ከምኡ እውን ንሓገዝ ክልል መንግስታት ብር 209ነጥቢ 38 ቢሊዮንን ንመፈፀሚ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ብር 12 ቢሊዮን ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2015 ዓ.ም ብር 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ኮይኑ ፀዲቑ።
ምስ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም እንትነፃፀር ብር 111ነጥቢ 94 ቢሊዮን ወይ እውን 16 ነጥቢ 59 ሚኢታዊ ዕቤት ኣርኢዩ።
እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፍሉይ ጉባኤኡ፥ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2015 ዓ.ም ብር 786 ነጥቢ 61 ቢሊየን ንክኸውን ውሳነ ቁፅሪ 3/2014 ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።