Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኣንፀባራቒ ዓወት ብምምዝጋቡ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገለፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኣንፀባራቒ ዓወት ብምምዝጋቡ ዝተሰመዖ ሓጎስ ገለፁ።

“መላአእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም” ክብል እውን ገሊፁ።

እቲ ባይቶ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጠጠው ብምባል ንዘርአዮ ሃዝባዊን ሃገራዊን ውግንና ኣድናቖቱን ምስጋናኡን ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዘርአዮ ቆራፅነትን ተጋድሎን ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊን ፍትሒን ንምርግጋፅ ኣዚዩ ልዑል ክዝኾነ እቲ ባይቶ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፥ ኣባላት እቲ ከሓዲ ጁንታ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ቀፃሊ ስጉምቲ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ከምዝብል እውን ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ እውን ሰራዊት ምክልኻል ብዝሓፈሶ ዓወት ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ መልእኽቶም፥ “መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን እንኳዕ ደስ በለና ደስ በለኩም” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.