ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ የካይድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ÷ ረቂቕ ኣዋጅ ፍሉይ መጣየሺን መመሓደሪን ፈንድ ሓምለዋይ ኣሰርን ዳግመ ልምዓት ዝዓረቐ መሬትን መርሚሩ ከምዘፅቕ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ደሳለኝ ወዳጄ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ናብቲ ባይቶ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን ኣቕሪቦም፡፡
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ከምዘመርመረን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ህዝባዊ ዘተ ከምዝገበረን ኣብሪሆም፡፡
ዝዓረቐ መሬት መሊስካ ንኽለምዕ ኣብ ምግባር ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ደኒታት ብምሕላውን ብምክንኻንን ንኢትዮጵያ ዘላቒ ዝኾነ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ስነ-ምህዳራዊን ረብሓ ክህብ ስለዝተደለየ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተሰናደአ ኣገንዚቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ንስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዋሚነ ትካላዊ ስርዓት ዘለዎ ዓቕሚ ፋይናንስ ክህሉ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተሰናደአ ኣብሪሆም፡፡
ክሌማዊ ለውጢ ዝፃርን ካብ ብኽለት ኣየር ዝነፅሀ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ራኢ ንኽዕወት ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዝተሰናደአ ኣዋጅ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እቲ ባይቶ ብኻእ መዳይ ቃለ ጉባኤ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ሎሚ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡
ብየሻምበል ምህረት