Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ህወሓት ካብ ዝርዝር ትካል ግብረ ራዕዲ ኣልዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ትካል ግብረ ራዕዲ ንኽለዓል ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፥ ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምልዓል ብዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ድሕሪ ምዝታይ ብኣብዝሓ ድምፂ ነቲ ውሳነ ኣፅዲቑዎ።

ንኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላማዊ መፍትሒ ንመሃብ ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስምምዕነተር ሰላም ከምዝተፈረመ ይዝከር።

ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ብዘኽበረን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓለወን መልክዑ ኣብ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም፥ ብወገን መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ስራሕቲ እናተሰርሑ ፀኒሖም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገለግሎታት ንኽጅመሩን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተሳለጠ መልክዑ ብዝተሳለጠ መልክዑ ንኽቐርብ ምግባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

ህወሓት ድማ ዕጡቓቱ ናብ ካምቦ ብምእካብ ከበድቲ ኣፅዋራት ንሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ከምዘረከበ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም፥ እቲ ባይቶ ንውድብ ህወሓት መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምልዓል ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.