Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልተ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ባይቶ ወከልተ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል ዓስራይ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ልምዓትን ንፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ገፀር ከምኡውን ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ልምዓት ኢንተርፕሩነር ደቂ ኣኒስቲዮ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዳንስኬ ባንክ ኤ.ስን ንብሄራዊ ሜቲዮሮሎጂ ኤጀንሲ መሰረተ ልምዓት ምልከታ ሜቲዮሮሎጂን ፕሮጀክት ህንፀት ዓቕሚ ትንበያን መፈፀሚ ዝተገበረ ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

ከምኡውን ጉዳያት ምርጫ ብቤት ፍርዲ ዝተኣናገደሉ ስነ ስርዓትን መረዳእታን ረቂቕ ደንቢ ብምምርማር ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.