Fana: At a Speed of Life!

ባዕሎም ኣብ ዘዕነዉዎ ሆስፒታል ዝተሓከሙ ቁሱላት ወታደራት ግብረ ራዕዲ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ባዕሎም ኣብ ዘዕነዉዎ ሆስፒታል ቁሱላት ኮይኖም ተሓኪሞምሉ።

ኣብ ግምባር ጋሸና ድፋዕ ኣፄ ውሃ ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ሚሊሻን እንትድምሰስ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንውግእ ዘዳለዎም ዕጡቓትቱ ምዉታትን ቁሱላትን ኮይኖም ኢዮም።

ብዝነበረ ውግእ ኣርቢት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝቖሰሉ ወታደራት እቲ ጉጅለ ኣብ በቢመገዱ ወዲቖም ዝተዓዘቡ ሓረስቶት ቁሱላት ብምልዓል ንሰራዊት ምክልኻል ኣረኪቦምዎም።

ሰራዊት ምክልኻል እውን ነቶም ቁሱላት ብምክንኻን ኣብ ሆስፒታል ንፋስ መውጫ ኣድላዪ ሕክምና እናገበረሎም ፀኒሑ ኢዩ።

ቅድም ክብል እቲ ጉጅለ ንሆስፒታል ንፋስ መውጫ ዘሪፉን ኣዕኒዩዎን ስለዝነበረ እቶም ወታደራት ኣብ ዘዕነዉዎ ሆስፒታል ዳግም ክሕከሙሉ ክኢሎም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ቁሱላት እቲ ጁንታ ብሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ንፋስ መውጫን ዝተገበረሎም ክንክን ኣመስጊኖም።

“እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዓውደ ኪናት ዘሰለፎም መናእሰይ ትግራይ ከም ቆፅሊ ረጊፎም ተሪፎም ኢዮም ዝብሉ እቶም ቁሱላት፥ ንሕና ብሓገዝ ህዝቢ ኣምሓራ ናብዚ ብምብቃዕና ተሓጒስና ኢና” ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ኣዚዩ ክዘሕዘኖም እውን ተዛሪቦም።

ብምንይችል ኣዘዘው

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.