Fana: At a Speed of Life!

ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዙሓት ባንክታት ኢንቨስትመንት ናብ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ዘድሊየን ምድላዋት ይዛዝማ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

እቲ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት እንገብረሎም ሰነዳት ወይ ኢንቨስትመንታት ከም በዓል ዋና እነረጋግፀሉ ዕዳጋ ሰነዳት ዕዳ ሰነደ መዋእለ ንዋያት እንትኸውን፥ ኣብ ኣብዝሓ  ኣክሲዮን፣ ቦንድ መንግስቲ፣ ሰነድ ግምጃ ቤት መንግስቲ፣ ቦንድ ኩባኒያታትን ካልኦት ቦንድታትን ናብ ማእከላዊ ቦታ መፂኦም ዝተዓዳደግሉ መድረኽ ኢዩ።

ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ ዝተኣመነሉ እቲ ስጉምቲ፥ መንግስቲን ውልቀ ዓውዲን ንዝፍፅምዎ ኢንቨስትመንታት ካፒታል ንምእካብ ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ዕላዊ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዕዳጋ ካፒታል ካብ ምጥያሽ ጀሚሩ ኣዋጅ ኣብ ምውፃእን ካልኦት ኩነታት ንምምላአን እንትስራሕ ዝፀንሐ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ ተኸፊቱ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ጥላሁን እስማኤል(ዶ/ር)፥ እቲ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ንምፅንባር ብዙሓት ኢንቨስትመንታት ባህጊ ከምዘለወን ምርኣየን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት ሽዱሽተ ዝኾና ባንክታት ናብቲ ዕዳጋ ንምፅንባር ምድላዋት ከምዝገበራ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.