Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዳሽንን ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌደራልን ንግዳያት ሓደጋ ዞባ ጎፋ ዝኸውን 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳሽን ባንክን ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌደራልን ንግዳያት ሓደጋ ዞባ ጎፋ ዝኸውን 15 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሮም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዳሽን ኣይተ ጥበብ ሰለሞን፥ እቲ ዞባ ንተጎዳእቲ እግሪ ንምትካል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም።

ባንኮም ነቲ ከይዲ ንምድጋፍ 10 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ሃይለብርሃን ዜና ብግደኦም፥ እቲ ኮርፖሬሽን ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ብዘላቕነት ንምድጋፍን እግሪ ንምትካልን ነዝግበር ደገፍ ናይ 5 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብ ደገፍ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።

ብኢብራሂም ባዲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.