Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ንሓደጋ ተቓላዕቲ ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ዝገብር 745 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንሓደጋ ተቓላዕቲ ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ዝገብር 745 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተራት ቦርድ እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቀዳማ ብርኪ ኣገልግሎት ጥዕናን ፕሮጀክት ምምሕዳር ሓደጋ ውሕጅን ንምድጋፍ ዝውዕል ሓገዝ ኣፅዲቑ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘሎ ስርዓት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ዝተዋደደ ስርዓት ምሕደራ ሓደጋ ውሕጅን ንምዝርጋሕ ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምስ ለውጢ ንብረት ኣየር ተተሓሒዙ ዝፍጠሩ ፀገማት ዝፃወር ዓቕሚ ንምህናፅ ኢሉ እውን ናይ እዋን ሓደጋን ሓደጋታት ውሕጅን ንምቁፅፃር ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.