Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ምትሕብባራትን ሓገዛትን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ፕላንን ልማትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ እናተተግበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሓለዋ ከባቢን ምፅዋርን ምክልኻልን ለውጢ ንብረት ኣየር ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ኣተሓሕዛ ብሄራዊ ሓበሬታ ኣካውንትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ዕቤት ሃገራዊ ፍርያት ሃፍቲ ዘለዎ ብፅሒት ኣብ ዝምልከት፤ ኣተሓሕዛ ሓበሬታን ሓበሬታ ብግቡእ ብምጥቃምን ዝምልከት ልዝበ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ባንኪ ዓለም ዝገብሮ ሓገዝ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ቅድሚት ኣድህቦን ትኹረትን ኣብ ዝሃቦም ዓውዲታት ከድህብ ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ተዛሪበን፡፡

ባንኪ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትሕብባርን ሓገዝን ኣጠናኺሩ ከምዝዘቕፅልን እታ ሃገር ኣብ ዝጀመረቶምን ትኹርት ኣብ ትገብረሎምን ዓውዲታት ሓገዙ ከመዘጠናኽርን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.