Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኦሮሚያን ግሎባል ኣሊያንስን ብድርቂ ንዝተሃሰዩ 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኦሮሚያን ግሎባል ኣሊያንስን ብድርቂ ንዝተሃሰዩ 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ምግብን ናውቲን ገይሮም።

እቲ ድጋፍ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ቦረናን ጉጂን ከምኡውን ኣብ ክልለ ሱማሌ ብዘጋጠመ ደርቂ ንልዑል ጉድኣት ንዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢዩ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ኦሮሚያ ኣይተ ተፈሪ መኮንን፥ ባንኮም ኣብ ክልቲአን ዞባታት ንዝርከቡ ሰበኽ ሳግማት ብ5 ሚሊየን ብር ዝተዓደገ 2 ሺሕ ኩንታል እኽሊ ዓዲጉ ከምዘረከበ ተዛሪቦም።

ግሎባል ኣሊያንስ ፎር ዘራይት ኦፍ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ ኣብ ክልል ሱማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዞባታት ኣስታት 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ምግብን ናውቲን ድጋፍ ገይሩ።

ብኣርቲስት ታማኝ በየነ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተኣኻኸቦ ሩዝን ዘይትን ንቢሮ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ከምዘረከበ ተገሊፁ።

ብቢቂላ ቱፋን ምንያህል መለሰን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.