Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ እናት ኣብ ክልል ትግራይ መትሐጃ ዘይብሉ ክሳብ 300 ሽሕ ብር ልቓሕ ንደቂ ኣንስትዮ ከምዝህብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ እናት ኣብ ደኣንት ተውዲበን ብፍላይ ኣብ ሻሂ ቡናን ቤት ቁርስን ተዋፊረን ንዝሰርሓ ኣብ ምብቃዕን ትኹረት ዝገበረ ልቓሕ ክረኽባ ካብ ምግባር ብተውሳኺ ንሰራሕቲ ንግዲ  ዝውዕል ናውቲ ሓገዝ ገይራ።

እታ ባንኪ ምስ ሰራሕቲ ዕንፀይትን ሓፂነ መፂንን ብሪጅ ብምትሕብባር እቲ ናውቲ ደገፍ ከምዝገበረት ተሓቢሩ።

ሓላፊ ባንኪ እናት ጨንፈር መቐለ ኣይተ ስሎሙን ኣማረ፥ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገብር ኣሰራርሓ ከምዘልዎ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ተዛሪቦም።

መትሐጃ ዘይብሉ ክሳብ 300 ሽሕ ልቓሕ ንደቂ ኣንስትዮ ከምዝወሃብ እውን ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ፕሮጀክት ግደየይ ዝተብሃለ ተዘዋዋሪ ፈንድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዕላዊ ዝኾነ እንትኾን፥ ሰራሕቲ ዕንፀይትን ሓፂነ መፂንን ብሪጅ ሙሉእ ውሕስና ገንዘብ ብምሽፋን ኣብ ንግዲ ዝተዋፍራ ድቂ ኣንስትዮ ልቓሕ ዝረኽባሉ ዕድል ከም ዝኾን ኣይተ ስሎሙን ገሊፆም።

ባንኪ እናት ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ንዝተዋፈራ እተን ወገናት፥ ናይ ዓቐሚ ምዕባይ፥ ምትእሰሳር ዕዳጋ፣ ልውውጥ ተሞክሮ ክረኽባ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።

ንብሉፃት ድቂ ኣንስትዮ ድማ መተባብዒ ሽልማት ከምዝህብ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.