Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኣባይቲ ጎህ ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእሎ ውዕሊ ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኣባይቲ ጎህ ምስ ኣልማዕቲ ገዛ ብምትሕብባር ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእሎ ውዕሊ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ባንኪ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝህነፁ ኣባይቲ ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ሃፍቲ ልምዓትን ዕድጊትን ጎህ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

ማሕበር ኣክሲዮን ሃፍቲ ልምዓትን ዕድጊትን ጎህ ብግድኡ÷ ንዓማዊል እቲ ባንኪ በበኩሉ ገዛውቲ ንምቕራብ ምስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኦቪድ ኮንስትራክሽን ኣባይቲ ንምህናፅ ውዕሊ ፈፂሙ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ህንፀት፤ በዓል ሓደ፣ በዓል ክልተን ሰለስተን  መደቀሲን ክፍሊ ኣፓርትመንታት ብድምር 270 ኣባይቲ ዘህንፅ እንትኸውን፥ ህንፀቶም ኣብ 18 ኣዋርሕ ተዛዚሙ ንተጠቀምቲ ከምዝመሓላለፍ ተሓቢሩ።

ባንኪ ኣባይቲ ጎህ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ብሕታዊን ናይ ውልቀ ኣቕራቢ ልቓሕ ገዛ ባንኪ እንትኸውን÷ ብልዕሊ 8 ሺሕ ሰብ ኣክሲዮን ኣብ 2014 ዓ.ም ኣገልግሎት ዝጀመረ ባንኪ ኢዩ፡፡

ብማህሌት ተክለብርሃን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.