Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተረፈ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ብምኽኒያት ምምሕያሽ ሲስተም ብመሰረት ዝተፈጠረ ፀገም ብዘይኣግባብ ካብ ዝተወሰደ ገንዘብ ዘይተመለሰ ዝተረፈ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን ብዘይኣግባብ ተወሲዱ ካብ ዝነበረ 801 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር እቲ 796 ነጥቢ 02 ሚሊየን በር ምምላሱ ኣብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተረፈ 0 ነጥቢ 67 ሚኢታዊ ወይ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ኣብ ሓፂር እዋን ንምምላስ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ኢዩ እቲ ባንኪ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.