Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘህነፆ ሓዱሽ ህንፃ ዋና ቤት ዕዮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘህነፆ ሓዱሽ ህንፃ ዋና ቤት ዕዮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት እቲ ባንኪ፣ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባንኪ፣ ሰራሕተኛታት፣ ዓማዊልን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቃ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣብ ምረቓን ህንፃ ዋና ቤት ዕዮን መበል 80 ዓመት ምስረታ በዓልን እቲ ባንኪ ንምኽባር ዝተረኸቡ ኣጋይሽ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ባንኪ ኣብ 80 ዓመት ጉዕዙኡ ግንዛበን ባህሊ ምዕቛርን ኣብ ምዕባይ ንዓማዊል ኣድላዪ ኣገልግሎት እናሃበ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ግዚኡ ዝዝምኑ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ንዓማዊል ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝፀንሐ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ እቲ ባንኪን ሰራሕተኛታቱን ኣብ ወፍሪ ህልውና ከምኡ እውን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያት ብዙሓት ሓገዛት ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቲ ባንኪ ኣብ ፅቡቕ መሰረት ዝተሃነፀ ስለዝኾነ፥ ዘላቕነቱ ንምሕላው ዓማዊል ምሕዝነቶም ኣጠናኺም ንኽቕፅ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቲ ሓዱሽ ህንፃ ልዕሊ ፀፍሒ መሬት 209 ነጥቢ 15 ሜትሮ ብራኸ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ንህንፀቱ 303 ሚሊየንን 500 ሺሕን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ኣብሪሆም።

ኣብ ውሽጡ ድማ ኣገልግሎት ቢሮ ካብ ዝህቡ ክፍሊታት ብተወሳኺ መእከቢ ኣዳራሻት፣ ሙዚየምን እንዳ ሲኒማን ዘካተተ እንትኸውን፥ ክሳብ 1 ሺሕን 500 መኻይን ክሕዝ ዝኽእል መቖሚ ኣለዎ ኢሎም።

ፕሮጀክት እቲ ህንፃ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ርኡይ ታራ ንዝተፃወቱ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.