Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓማዊል ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ሓሬተኦም ብምስትኽኻል ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዓማዊል ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ሓሬተኦም ብምስትኽኻል ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ዓማዊል ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብምስትኽኻል ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጨንፈራቱ ዝተፈጠረ ምጭንናቕ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ገሊፁ፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 27/08/2021 ዘውፀኦ መምርሒ ስዒቡ ሓበሬታ ዓማዊል ናይ ምውዳብን ምፅራይን ስራሕቲ ንዘሓለፉ 6 ኣዋርሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ዓማዊል ሓበሬተኦም ኣብ ጨንፈራት እቲ ባንኪ ብምርካብ እዋናዊ ምግባሮም ኣፍሊጡ፡፡

ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሓበሬተኦም እዋናዊ ክገብሩ ዘይከኣሉ ዓማዊል ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪንግ ጥራሕ ማለት እውን (ኣገልግሎታት ባንኪንግ፣ ኢንተርኔት ባንኪንግ፣ ኤቲኤምን ፖስን) ከምዝቋፆም ብምሕባር፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናብ ጨንፈራት እቲ ባንኪ ብምምፃእ ሓበሬተኦም እንስተኻኽሉ ሽዑ ንሽዑ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፁ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.