Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሓሙሽተ ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን እቲ ባንኪ ብውልቆም እናገበሩዎ ካብ ዝርከቡ ሓገዝ ብተወሳኺ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብተፈጥሮ ይኹን ብሰብ ስራሕ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ቀልጢፉ ብምብፃሕ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ ዝርከብ ባንኪ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ባንኪ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.