Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንስድራቤት እቲ ትካል ንምክልኻል መስዋእትነት ዝኸፈሉ ወገናት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)6  ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ጋይንት ጥሒሱ ኣብ ዝኣተወሉ ብምእታው ኣብ ከተማ ንፋስ መውጫ ዝርከብ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንምዝራፍ እንትፍትን ዋርዲያታት እቲ ባንኪ ብርቱዕ ተጋድሎ ገይሮም ኢዮም።

ኣብቲ እዋን ዋርዲያ እቲ ባንኪ ዝነበሩ ኣይተ ዘውዱ ንጋቴን ወታደር ማሬ ይርሳውን ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣይነእቱን ብምባል ልዑል ቃልሲ ብምግባር ክሳብ መወዳእታ ብምውጋእ ናይ ህይወት መስዋእትነትን ጉድኣት ኣካልን ከፊሎም ኢዮም።

በቲ ዝነበረ ቃልሲ ኣይተ ዘውዱ ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ወታደር ማሬ ይርሳው ድማ ናይ ምቑሳል ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኢዩ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት ጎንደር፥ ሃገረይን ቤት ዕዮይን ኣየድፍርን ኢሎም መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ሰራሕተኛታትን ስድረኦምን መርሃ ግብሪ ምስጋናን ሓገዝን ተሰናዲኡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት ጎንደር ኣይተ ደመዎዜ ባልቤ ተረኺቦም ንስድራ ግዳያት ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ብመሰረት እዚ ንበዓልቲ ቤት ህይወቶም ንዝሓለፈ ኣይተ ዘውዱ ንወይዘሮ ሽንብራ ኣለነ 150 ሺሕ ብርዘበርከቱለን እንትኾኑ፥ ክልቲኦም ደቆም ድማ ኣብቲ ባንኪ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኮይኖም ንኽሰርሑ ተወሲኑ

ናይ ምቑሳል ሓደጋ ንዘጋጠሞም ዋርዲያ እቲ ባንኪ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብኹንትራት ዝነበረ ስረሖም ብቀዋሚነት ንኽቑፀሩ ተወሲኑ።

ብምንይችል እዘዘው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.