Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ዲጂታል ዕድጊት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓረስቶት ስርዓት ዲጂታል ዕድጊት ተጠቒሞም ፍርያት ሕርሻ ዝተዓዳደጉሉ ኣሰራርሓ ዕላዊ ገይሩ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ምስ ኤጀንሲ መስፋሕፍሒ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኦሮሚያ ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓረስቶት ካብቲ ኤጀንሲ ዝዕድጉዎም ዘበናዊ ዱኽዒን ናውቲ ሕርሻን ሞባይል ክፍሊት ብምፍፃም ናብ ባንኪ እንተይከዱ ፍርያቶም ንኽረኽቡ ዘኽል ኢዩ ተባሂሉ።

በቢጣብዩኡ ዝርከቡ ማሕበራት ኣቕረብቲ ፍርያት ሕርሻ እውን ሓረስቶት ክፍሊት ጥረ ገንዘብ እንተይከፈሉ ሞባይል ባንኪ ወይ እውን ሲቢኢ ብር ተጠቒሞም ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) ሓዊሱ ፍርያት ሕርሻ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

ብትግስት ብርሃኔ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.