Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ 104 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንምምሕያሽ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝኸውን ደገፍ 104 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ።

ቦርድ ዳይሬክቶሬት እቲ ባንኪ ካብ ዘፅደቖ እቲ  52 ሚሊየን ዶላር ካብ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ዝተረኸበ ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተረፈ ድማ ካብ ፈንድ ልምዓት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኮሪያ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ስርዓት ሓይሊ  ልምዓት እቲ ባንኪ  ባቺ ባልዴህ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ዕቑር ሓይሊ ክብ ብምባል ተሓዳሲን ኣተኣማማኒን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘማዕብል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት 157 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ 400 ኪሎ ቮልት በዓል ክልተ መስመራት መተሓላለፊ ሓይሊን ጣቢያታት ምክፍፋልን ኣብ ኣብ ሃረር፣ ጅግጅጋን ፋፈምን ዝግበሩ ህንፀታት ዘካትት ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.