Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተበላሸወ መጠን ልቓሑ ናብ 6 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ክትሕት ከምዝገበረ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝተበላሸወ መጠን ልቓሕ ካብ ዝነበሮ 57 ሚኢታዊ ናብ 6 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከውርድ ከምዝኸኣለ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ዮሃንስ ኣያሌው (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ ውፅኢት ኣብ ዝሓለፉ ባለፉት 5 ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፎርም ጋህዲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኢድ ኣእታውነታት፣ ብልሹዋት ኣሰራርኻ፣ ብሲስተም ዝተሓገዘ ስርዓት ኣሰራርሓ ዘይምህላውን ፀገማት ሓይሊ ሰብ እቲ ባንኪ ንኽሳራ ኣቃሊዖምዎ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ባንኪ ክልተ ግዘ ካፒታሉ ንኸዓቢ ይደረግ እምበር ተኸታታሊ ክሳራ ከምዘመዝገበ ብምግላፅ÷ ኣብቲ እዋን እቲ ባንኪ ዝተበላሸወ ምኽዛን ልቓሕ 27 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር በፂሑ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ እቲ ባንኪ ከይዕፆ ሪፎርም ክግበር ኣለዎ ዝብል ዓብዪ ውሳነ አሕሊፉ ህልውናኡ ንኽቕፅል ዓብዪ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፆም፡፡

ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብዘይ ባንኪ ልምዓት ንነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ፋይናንስ ምግባር ከምዘይከኣል እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ባንኪ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ፍትሓዊ ዘይኮነ ኣወሃህዋ ልቓሕ ክተርፍ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይ ናብ ሪፎርም ከምዝኣተወ ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ ዝተበላሸወ መጠን ልቓሕ እቲ ባንኪ እናነከየ ምምፅ ዝገለፁ እቶም ፕሬዝዳንት÷ በዚ መሰረት እውን ካብ 57 ሚኢታዊ ናብ 6 ነጥቢ 5 ሚታው ምውራድ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሪፎርም ትሕቲ 3 ቢሊየን ብር ዝነበረ ዝተፃረየ ሃፍቲ እቲ ባንኪ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን 40 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም፡፡

ሓፈሻዊ ካፒታል ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 182 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.