Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 11 ቢሊየን ዝኸውን ኣለቂሑዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 10 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዝኸውን ኣለቂሑዎ ካብ ዝነበረ ገንዘብ ክእክብ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ናይ ክልል ትግራይ ፕሮጀክታት እንተይ ሓወሰ ዝተበላሸወ ደረጃ ልቓሕ ናብ 17 ሚኢታ ከውርድ ከምዝኸኣለ እውነ ገሊጹ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዶክተር ዮሃንስ ኣያሌው ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብዙሓት ፕሮጀክታት ናብ ዝተበላሸወ ልቓሕ ምእታዎም እቲ ዓመት ነቲ ባንኪ ፈታኒ ገይሩዎ።

ዘጋጠመ ፀገም ንምክሕሓስ ቅልጡፍ ለውጢ ምግባር ስለዝተኸኣለ ንትግራይ እንተይሓወሰ ኣብ 2013 ዓ.ም ዝነበረ ዝተባላሸወ ደረጃ ልቓሕ ካብ ዝነበሮ 15 ቢሊየን ብር ኣብቲ በጀት ዓመት ናብ 9 ቢሊየን ብር ክወርድ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ባንኪ ናብ 11 ቢሊን ብር ዝፅጋዕ ገንዘብ ካብ ዘለቅሖም ኣካላት ክእክብ ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ኣብቲ በጀት ዓመት 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ከስቢ ከምዝረኸበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.