Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣንቀሳቐስቲ ኢንተርፕራይዝ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣንቀሳቐስቲ ኢንተርፕራይዝ ዝህቦ ራብዓይ ዙር ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም 4 ሺሕ ሰልጠንቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዕሊ ዝተጀመረ እቲ ስልጣና፥ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ 57 ከተማታት ዝርከባ 95 ማእኸከላት ን112 ሺሕ ሰልሰልጠንቲ ስልጠና ክወስዱ ኢዮም ተባሂሉ።

ብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ስልጠና፥ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዮሃንስ ኣያሌው ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ብኸምዚ ዓይነት ስልጠና ምሕጋዞም ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ንምምፃእ ዝሕግዝ ኢዩ።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ትገብሮ ብምግቢ ባዕልኻ ናይ ምኽኣል ፃዕሪ መሰል ስልጠናታት ግደኦም ዕዙዝ ከምዝኾነን ዓውዲታት ልምዓት ሃገር ይኹን እታ ኸተማ ከምዘድንፍዕብ ኣብሪሀን።

ሰልጠንቲ ስልጠነኦም ብንቕሓት ንኽከታተሉ እውን ኣተሓሳሲበን።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ዶክተር ዮሃንስ ኣያሌው÷ ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ዝወሃብ ስልጠና ከምዝኾ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዙራት ብዝበለፀ ብዙሕ ሰልጣኒን ስልጠናን እናተውሃበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ባንኪ ከሳብ ብዝገበሮ ስልጠና ብድምር 33 ሺሕ ሰልጠንቲ ኣብቂዑ ብፋይናንስ ሊዝ 20 ቢሊየን ብር ኣብ ረብሓ ከምዘውዐለ ገሊፆም።

ኣብቲ ስልጠና፥ ቅድሚ ሕዚ ዕድል ዘይረኸቡ ጎዴን ጂንካን ከምኡ እውን መናእሰይ  ክልል ትግራይ ተሳተፍቲ ምዃኖም ፍሉይ ከምዝገብሮ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብሪሆም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬን ሰለሞን ይታየውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.