Fana: At a Speed of Life!

ባቦጋያ ኣካዳሚ ዘሰለጠኖም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባቦጋያ ኣካዳሚ ማሪታይም ባሕር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘሰለጠኖም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣመሪቑ፡፡

እቶም ተመረቕቲ ኣብ እዋን ስልጠነኦም÷ ካብ መርከብ ዝለዓል ባርዕ ሓዊ ብኸመይ ምክልኻል ከምዝከኣልን እንተተላዒሉ ድማ ጉድኣት እንተየብፀሐ ብኸመይ ምቁፅፃር ከምዝከኣልን ተኸታቲሎም፡፡

ተወካሊ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሬር ኣዲሚራል ናስር ኣባድጋ÷ ተመረቕቲ ዓንዲ ሑቐ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ብምግንዛብ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ንኽዋፅኡ ምትሕስሳቦም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ምዃንን ኣብ መርከብ ወፍሪ ምውፃእብ ፅቡቕ ስነ-ምግባር፣ ወታደራዊ ዲሲፒሊን፣ ኣፈፃፅማ ጥንኩር ወፍሪን ናይ ህይወት መስዋእትነት ከምዝሓትት እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብምዃኑ ተመረቕቲ ብስልጠና ዝረኸቡዎ ዓቕሚ ናብ ተግባር ብምልዋጥ ሙያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.