Fana: At a Speed of Life!

ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ቀጥታ ተረባሒ መስመር ኤሌክትሪክ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ቀጥታ ተረባሒ መስመር ኤሌክትሪክ ከምዝኾነ ኣገለግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ነቲ ባቡር ምድሪ ዘተኣማምን ሓይሊ ኤሌከትሪክ ንምቕራብ 39 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ቀጥታ መስመር ኤሌከትሪክ ምዝርግሑ ተገሊፁ።

ርጅን ሸገር እቲ ኣገልግሎት ከምዝበሎ፥ ባቡር ምድሪ ቅድመ ሐዚ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ዘጋጥሞ ዝነበረ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ መስመር ብምዝርግሑ ህዝቢ ዘተኣማምንንን ዘይተቖራረፀን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ነክረክብ ኣኽኢሉ ኢዩ።

ቀጥታ መስመር ካብ መከፋፈሊ ሓይሊ ገላን ዝተዘርገሐ 11 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ከምዘለዎን 226 ኮንክሪት ዓምዲ ተኸላ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.