ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጂቡቲ ብሰንኪ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ዘጋጠሞ ምትእጉጓል ትራንስፖርት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጂቡቲ ብሰንኪ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ዘጋጠሞ ምትእጉጓል ትራንስፖርት ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ምድሪ ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ታከለ ኡማ(ኢ/ር) ገሊፆም።
እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ሰሙን ብሰንኪ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተፈጠረ ፀገም ኣሰራርሓ ንምፍታሕ ርብርብ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
እቲ ምቁርራፅ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ትካሎም ፅዕንቶ ምሕዳሩ ኣፅንኦት ብምሃብ ገሊፆም።
እቲ ዝተፈጠረ ምትእጉጓል ንምፍታሕ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት፥ ኣገልግሎት ፅዕነት ጅምላን ፅዕነት ኮንቴይነርን ንምምችቻው ይስራሕ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም።
ብፍላይ ሕድሕድ ፋርጎን ኮንቴይነርን ብተናፀል ካብ ምቑፃር ብዝዘለለ፤ ቁፅሪ ጉዕዞ ባቡር ብምጥቃም ጉምሩክ ጅቡቲ ዘለዎ ከይዲ ኣወሃህባ ሰነድ ነቕልል ኣለና ኢሎም።