ባርኖስን ቓቔጣን ናብ ዝተርኣየለን ዞባታት ትግራይ ሰብ ሞያ ሕርሻ ብምምዳብ ስራሕቲ ምክልኻል ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባታት ማእኸል፣ ደቡብን ምብራቕን ኣብ ዝርከባ ውሱናት ወረዳታት ክልል ትግራይ ባርኖስን ቓቔጣን ከምዝተርኣየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ትግራይ ገሊፁ።
ናብቶም ከባቢታት ሰብ ሞያ ሕርሻ ብምምዳብ ስራሕቲ ምክልኻል የካየድ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።
እቶም ሞያዊያን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ብባህላውን ብነፀጋ ኪሚካልን ኣብ ዝተኻየደ ምክልኻል ባልዓት ክተባባዕ ዝግበኦ ስራሕ ከም ዝተወገነ ተገሊፁ።
ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብዝገበሩዎ ሓገዝ ክሳብ ሕዚ ሕፅረት ኬሚካል እንተየጋጠመ ምፅንሑ ሓቢሮም።
እንተኾነ ግና እቲ ዝርገሐ ባልዓት ካብዚ ንላዕሊ ክሰፍሕ እንተኽኢሉ ሕፅረት ኬሚካል ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ ደገፍ ኬሚካል ንክገብር ሕቶታት ከምዝቐረቡ ብምግላፅ፥ ሕብረተሰብ ብባህላዊ መንገዲ ምክልኻል ባልዓት ከዛይድን ንሰብ ሞያ ሕርሻ ከማኽርን ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።