Fana: At a Speed of Life!

ባህሊ ምክኣልን ሓቢርካ ምንባርን ሃይማኖታት ዝፃብኡ ኣካይዳታት ይኹንን – ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባህሊ ምክኣልን ሓቢርካ ምንባርን ሃይማኖታት ዝፃብኡ ኣካይዳታት ከምዝኹንኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሞጣ ኣብያተ ክርስታያንን መስጊዳትን ምቅፃሎም ስዒቡ ነቲ ፍፃመ ዝኹንን መግለፂ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ጠቂዖም ኣለዉ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ መግለፂኦም፥ “ኣብ መገዲ ብልፅግና እትርከብ ኢትዮጵያ ዝፀንሑ ባህሊ ምክእኣልን  ሓቢርካ ምንባርን ሃገርና ዝፃብኡ ኣካይዳታት ቦታ የብሎምን፤ ከምዙይ ዝበሉ ናይ ፈራሕ ኣካይዳታት ኣጥቢቐ ይኹንኖም” ኢሎም።

መላእ ፈታውቲ ሰላም ኢትዮጵያውያን፥ ናይ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን ዕሙቕ ፍልጠቶም ከማዕብሉ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ምርዳእን ምፅያፍን ፈላለይቲ ኣጀንዳታት ሓበራዊ ዕቤት ንምርግጋፅ የኽእል” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.