Fana: At a Speed of Life!

ቢትኮይን ኣብ ታሪኩ ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቢትኮይን ዝተብሃለ ክሪፕቶከረንሲ ልዕሊ 109 ሺሕ ዶላር ብምብፃሕ ኣብ ታሪኩ ልዑል ወሰኽ ምምዝጋቡ ተገሊፂ።

ከም ቢትኮይን ዝመሉ ዘይተማእኸሉ ኣማራፅታት ዲጂታል ሰልዲ ዝድግፉ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ሎሚ ምሸት ዝካየድ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ሹመቶም ስዒቡ  እቲ ወሰኽ ምርኣዩ ኮይኖታግ ፀብፂቡ።

ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንት ብምዃን ምምራፆም ስዒቡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓደ ቢትኮይን 103 ሺሕ ዶላር ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እቶም ፕሬዚዳንት “ኣሜሪካ ማእኸል ዕዳጋ ቢትኮይን ንክትከውን ክገብር ኢየ” እውን ኢሎም ኢዮም።

ስለዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ ዋጋ ሓደ ቢትኮይን ልዕሊ 250 ሺሕ ዶላር ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምታቶም ይገልፁ ኣለዉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.