Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ እቶት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ 39 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ እቶት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ 39 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

34 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሊሙ እናሰርሐ ዝፀንሐ እቲ ቢሮ፥ 39 ቢሊየን ብር ክእክብ ከምዝኸኣለ ብምሕባር፤ ንእሙናት ከፈልቲ ግብሪ እውን ኣፍልጦን ሽልማትን ሂቡ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ግቡእ ግብሪ ብኣግባቡ ንዝተዋፅኡ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተሳሊጡ ዘሎ “ልዑል ኣታዊ ንምዕባለ ከተማና”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሉጌታ ተፈራ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ስነ-ስርዓት ንልምዓትን ምዕባለን እታ ከተማ ዝግበር ርብርብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ኣፍልጦ ምሃብን ንካልኦት ምልዕዓልን ዝፈጥር ኢዩ።

ከፋሊ ግብሪ ማሕበረሰብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ ግድብ ህዳሰን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናትን ሓገዝ ከምዝገበረ እውን ተገሊፁ፡፡

ብፈቲያ ዓብደላ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.